ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዶሮሲ ኤ. ሚለር፡ ኣብቲ ብሓልዮት ጎድስ ስቶሪ ፕሮጀክት እተጻሕፈ፡ ሲምፕሊ ዘ ስቶሪ (Simply The Story) ዚብል መጽሓፋ፡ ቶም ስተፈን (2018) ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፎ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣቐሚጣቶ ኣላ።

መጽሓፍ ቅዱስ

  • 10% ትንተና ወይ ገለጻ ኢዩ
  • 25-35% ግጥማዊ ኢዩ
  • 55-65% ዛንታዊ ኢዩ

ጕዳይ ኣተኵሮ

ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እንተዀይኑ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ክንምህርን ከለና ዝያዳ ኣተኵሮ ሂብና እንኽተሎ ኣገባብ ዛንታዊ ኣገባብ ኪኸውን ከምዚግባእ ክንሓስብ ንቡር ኢዩ። ካብቲ እተፈላለየ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛንታዊ ኣገባብ ናይ ምጽናዑን ንኻልኦት ናይ ምምሃሩን ኣገባባት ሓደ Simply The Story ዚበሃል ኣገባብ ኢዩ። እዚ https://www.simplythestory.org/ ዚጥቀሙሉ ኣገባብ ኢዩ፤ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ከነጽንዓሉን ንኻልኦት ክንምህረሉን እንኽእል ብሉጽ ኣገባብ ከኣ ኢዩ። ሓጺር መግለጺ ናይዚ ኣገባብ ኣብ https://www.simplythestory.org/ ንዘሎ እዚ ዚስዕብ ድምጺ ሰሚዕና ንረዳእ።

ብዝያዳ፡ ዶ/ር ቢሊ ኮፐጅ ካብ https://wgm.org/፡ ነዚ ኣገባብ እዚ ንኽንርዳእ ዚሕግዘና ሓጸርቲ ቪድዮታት ኣቕሪቡ ኣሎ። ነቲ ቪድዮታት ምርኣዩ ከኣ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ነዚ ዚስዕብ መላግቦ ጠዊቕኩም ነቲ ቪድዮታት ክትርእዩ ትኽእሉ፥ https://www.youtube.com/watch?v=Hfpjm37VPZg&list=PLPqj5TPTeXR9ymXwP341QtkkwUMqJH1Lh

መእተውን ኣብነትን

እዚ ዚስዕብ ብትግርኛ ዝቐረበ ቪድዮታት እውን፡ ነቲ ኣገባብ መጽናዕቲ ኣብ ምምሃር ኪሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

ዛንታ ማርታን ማርያምንhttps://www.youtube.com/watch?v=YjKvE7MBBZk

እቲ ጥበበኛ ኣማኻሪ https://www.youtube.com/watch?v=2y0TJ-bhxxM