Tigrinya Blog

ስነ-መለኮት ኣበይ ኢኻ ተማሂርካ፧ 1ይ ክፋል

ኣብ ዓመተ 2016 ንሃገረ ካናዳ ምስ መጻእኩ፡ ምስ ሓደ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ካልጋሪ ኣብ ዚርከብ ኣምብሮስ ዩኒቨርሲቲ እናመሃረ፡ ካልእ እተፈላለየ ናይ ክርስትያናዊ ዕዮ ሓልፍነታት ደራሪቡ ዚዓዪ ዝነበረን፡ ኣብ ዕዮ ወንጌል፡ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመኵሮን ኣበርክቶን ዝነበሮ ካናዳዊ ዶክተር፡ ነዓይ ዚፈልጡን ንዕኡ ዚፈልጡን ሰባት ምስ ኣተሓሓዙና፡ ንሓደ ሰሙን ዚኸውን ጊዜ ብኢመይል ክንጸሓሓፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንካናዳ መጺአ ኣብ ካልኣይ ወርሐይ፡ ንኤድመንተን መጺኡ ብኣካል ክረኽበንን ከዕልለንን ዕድል ሂቡኒ። ኣብ ኤድመንተን፡ ብኣካል ተራኺብና ብዙሕ ምስ ኣዕለልና፡ “ስነ-መለኮት ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ ተማሂርካ፧ ኢሉ ዘይተጸበኽዎ ሕቶ ሓቲቱኒ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ስነ-መለኮት ኣበይ ከም እተመሃርኩ፡ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ዘርዚረ ከዕልሎ ምኸኣልኩ፤ እቲ ዕላለይ ከምቲ ንሱ ዚጽበዮ ስለዘይከውን ግና፡ “ከም ተመሃራይ ተመዝጊበ እተመሃርኩሉ፡ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ የለን።” ኢለ ሓጺር መልሲ ድሕሪ ምምላስ፡ በንጻሩ፡ ማሕበራዊ ጥዕናን ክሊኒካዊ ሳይንስን፡ ከምኡውን ኮማዊ ጥዕናን ምዕባሌን ኣበየኖት ዩኒቨርሲታት ከምእተመሃርኩ ሓቢረዮ። 

ንዝሃብክዎ ሓበሬታ ሰሚዑ ጸጥ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “እሞ፡ ብዙሕ ናይ ስነመለኮት መጻሕፍቲ ኣንቢብካ ክትከውን ኣለካ።” ኢሉኒ። ሽዑ፡ ነቲ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ዕላለይ ጸሚቘ ኣዕሊለዮ፣ ምስ ሓደ ኣብ ኤድመንተን ብዙሕ ዕዮ ጎይታ ከምዚዓዪ ዝሓበረኒ ቻይናዊ መበቆል ዘለዎ ጓሳ ናይ ሓንቲ ማሕበር ከላልየኒ ምዃኑ ሓቢሩኒ ከኣ ተፈላሊና። 

እቲ ምቕሉል ዶክተር፥ ድሕሪቲ ናይ ኤድመንተን ርክብና፡ ከይደንጎየ ምስቲ ዝበሎ ጓሳ ማሕበር ብኢመይል ኣራኺቡኒ፡ ብመገዲ’ቲ ጓሳ ማሕበር ኣቢለ ኸኣ፡ ምስ ካልኦት ዓየይቲ ወንጌልን ክርስትያንን ክላለን፡ ኣባል ናይ ሓደ ሓጺር ስልጠና ስነ-ሚስዮን ዚምህር ኣብ ኤድመንተን ዚርከብ ካብ ብርክት ዝበሉ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝቖመ ጕጅለ ዓየይቲ ወንጌል ኮይነ፡ በብእዋኑ ሓጸርቲ ትምህርትታት ስነ-ሚስዮን ክምህርን ዕድል ረኺበ። 

ሓደ መዓልቲ፡ ምስዚ ጓሳ ማሕበር እናዕለልና፡ እቲ ዘላለየና ዶክተር ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርድኢተይ ብዚምልከት፡ ብዙሕ ጽቡቕ ከምዝነገሮ ኣዕሊሉኒ፤ ኣስዒቡ ድማ፡ ከምቲ ናይቲ ዶክተር ዚመስል፡ “ስነ-መለኮት ኣበይ ኢኻ ተማሂርካ፧” ዚብል ሕቶ ሓቲቱኒ። ከምቲ ነቲ ዶክተር ዝሃብክዎ መልሲ ድማ ሂበዮ። እዚ ጓሳ ማሕበር ንርእሱ፡ ቅድሚ ናይ ስነመለኮት ትምህርቲ ምምሃሩ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥዕና ናይ ማስተርስ ዲግሪታት ዝነበሮን ብእኡ ዝሰርሐን ኢዩ ነይሩ፡ ድሒሩ ግና ትምህርቲ ስነ መለኮት ናይ ማስተርስን ናይ ዶክትረይትን ደረጃታት ተኸታቲሉ።

እቲ ካብዞም ክልተ ናይ ስነ-መለኮት ምሁራት ዝመጸኒ ሕቶታት፡ ካብ ፍሉጥ ኣብያተ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ምምሃር ብዚምልከት ክሓስብ ገይሩኒ። ካብኡ ተበጊሰ ዝገበርክዎን፡ ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ዚምልከት ርድኢተይን ኣብ ዚመጽእ ክጽሕፍ ኢየ፤ ንሎሚ ግና፡ ብዛዕባቲ’ቲ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ኢለ ዝዛረበሉ ናይ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ዕላለይ ቀዳማይ ክፋሉ እጽሕፍ ኣለኹ።

እቲ ንዘለኒ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ዚምልከት ካብ ሀ ክሳብ ፐ ዘዕልሎ ዕላል፡ መብዛሕትኹም እትጽበይዎ ዓይነት ዕላል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ምንባብ ምስ እትቕጽሉ ግና፡ ንስኻትኩምውን ከም ናተይ ብዚመስል መገዲ ከተዕልልዎ እትኽእሉ ናይ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ዕላል ኪህልወኩም ከምዚኽእል ርግጸኛ ኢየ።

ምናልባት፡ “ስነ-መለኮት እንታይ ማለት ኢዩ፧” እትብሉ ተኸታተልቲ እንተሊኹም፣ ብትርጕሙ ኽጅምር። ኣብ ሕብረተስብና፡ ስነ-መለኮት ካልእ መጸውዒታት’ውን ኣለዎ’ዩ፡ “ነገረ-መለኮት”፡ “ንባበ መለኮት”፡ “ቴዮሎግያ ወይ ቴዮሎጂ” ተባሂሉውን ይጽዋዕ ኢዩ፡ ትርጕሙ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ምስ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ጕዳያትን ዘጽንዕ ስነ-ፍልጠት ማለት ኢዩ። ትምህርቲ ስነ-መለኮት፡ ካብቲ መባእታዊ ፍልጠት ክሳብ ዝለዓለን ዓሚቝን ፍልጠት ይዝርጋሕ።

ንዕላለይ ካብ ሀ ክጅምሮ። ኣብ ብዙሕ ዓድታትን ከተማታትን፡ ብብዙሓት ሰባትን ብእተፈላለየ መገድታትን፡ ኢየ ካብቲ መባእታዊ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ክሳብ’ዚ ሕጂ በጺሐዮ ዘለኹ ተማሂረ። ንትምህርቲ ስነ-መለኮት መኣስ ክመሃሮ ከምዝጀመርኩ ኣይዝክርን ኢየ፤ ካብቲ ኣፍ ክኸፍትን ዘረባ ክርዳእን ዝጀመርክሉን ዕድመ ቍልዕነተይ ምንባሩ ግና ርግጸኛ ኢየ። እቶም ቀዳሞት መምህራነይ፥ ወለደይ ኢዮም ነይሮም፡ ተሓጋገዝቶም ድማ ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ደቂ ዓደይን ኣብ ዓድና መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ዝነበረት እናቴ ኖረትን፡ እቶም ሓሓሊፎም ናብ ዓድና ዚመጹ ዝነበሩ ካቶሊካውያን ካህናትን ኢዮም ነይሮም።

ኣብታ እተወለድኩላን፡ ንገለ ዓመታት እዋን ቍልዕነተይ ዘሕለፍኩላን ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ እትርከብ ሓመደይ እትበሃል ዓዲ፡ ካብዞም ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ፡ “መባእታ ትምህርተ ክርስቶስ” ዚብል መባእታዊ ትምህርቲ ስነ-መለኮትን ካልእ ትምህርትታትን ተማሂረ። እቲ መባእታ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ብሕቶን መልስን መልክዕ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ፡  “መን ፈጠረና፧” ብዚብል ሕቶ ኸኣ ይጅምር። ነዚ እታ ኣብ ዓድና መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ዝነበረት በዓልቲ ጽቡቕ ዝና እናቴ ኖረት ኢያ ምሂራትኒ። ኣነን እቶም ምሳይ እተማህሩ ደቂ ዓደይ መሳቶይን ንመን ፈጠረና ብኸምዚ ዚስዕብ ኢና ተማሂርናዮ፥

ሕቶ፥ መን ፈጠረና፧

መልሲ፥ እግዚኣብሄር።

ሕቶ፥ “ንምንታይ ፈጠረና፧”

መልሲ፥ ክንፈልጦ፡ ክንፈትዎ፡ ንሱ ዝኣዘዘና ክንፍጽም፡ በዚ ምኽንያት እዚ’ውን መንግስተ ሰማይ ክንኣቱ።

ሕቶ፥ “እግዚኣብሄር ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧”

መልሲ፥ ፍጹም፡ ረቂቕ፡ ዘሎ፡ ንዘልኣለም ዚነብር፡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ ናይ ኵሉ ፍጥረት ጎይታ ማለት ኢዩ።

ሕቶ፥ “እግዚኣብሄር ክንደይ ኢዩ፧”

መልሲ፥ ሓደ ኢዩ።

ሕቶ፥ “ኣበይ ይነብር፧”

መልሲ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ ይነብር።

እቲ መባእታዊ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ቀጺሉ ብሕቶን መልስን መልክዕ፥ ብዛዕባ ምስጢረ ስላሴ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ፡ ብዛዕባ ቤተክርስትያን፡ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄርን ናይ ቤተክርስትያንን ትእዛዛት፡ ብዛዕባ ዓበይቲ በዓላት፡ ብዛዕባ ምስጢራት፡ ብዛዕባ ናይ ሰብ መፈጸምታታት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ጸሎት ይምህር። እቲ ናይ እናቴ ኖረት ኣመሃህራ ኣዝዩ ብሉጽ ኣገባብ ስለዝነበረ፡ እቲ ትምህርቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝኽረይ ይነብር ኣሎ። ጸሎተ ሃይማኖትውን ሽዑ ኢየ ተማሂረያ። ከምዚ ትብል፥

ጸሎት ሃይማኖት፡ ሃዋርያት ዝደረስዎ፡

እእምን ብእግዚኣብሄር ኣብ፡ ኵሉ ዚኽእል፡

ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡

ብኢየሱስ ክርስቶስውን፡ ሓደ ወዱ ጎይታና፡ 

ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ተጸንሰ፡

ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ

ሓመመ፡ ብትሕቲ ስልጣኑ ንጲላጦስ ጴንጤናዊ ተሰቕለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ።

ናብ ሲኦል ወረደ፡ ብሳልሳይ መዓልቲ እንካብ ሙታን ተንስኤ፡

ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣብ ተቐመጠ፡

ደሓርውን፡ ንዘለዉን ንዝሞቱን ኪፈርድ ይመጽእ።

እኣምን ብመንፈስ ቅዱስ፡ ቅድስቲ ቤተክርስትያን፡ ካቶሊካዊት፡ ናይ ቅዱሳን ሱታፌ፡ 

ናይ ሓጢኣት ስሬት፡ ናይ ሙታን ትንሳኤ፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት። ኣሜን።

እዝን፡ ካልእ ብዙሕ ስነ-መለኮታዊ ትሕዝቶታት ዘለዎ ትምህርታትን፡ ኣካደምያዊ ትምህርቲ ክመሃር ከይጀመርኩ፡ ገና ፊደል ከይቈጸርኩ ኢየ ተማሂረዮ። 

ኣካደምያውን መንፈሳውን ትምህርቲ ክመሃር፡ ካብ ስድራይ ተፈልየ፡ ናብቲ ኣብ ምሕላብ ዚበሃል ዓዲ ምድሪ መንሳዕ ዚርከብ ካቶሊካዊ ገዳም ኢየ ኸይደ፡ ኣብኡ ኸኣ፡ ኣካደምያዊ ትምህርቲ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ተማሂረ፡ ጎኒ ጎኑ ኸኣ ብዙሕ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ኢለ ክሰምዮ ዝደፍር፡ ኣብ ሓመደይ ከለኹ ዘይፈልጦ ዝነበሩ ትምህርትታት፡ ብካቶሊካውያን ካህናትን ደናግልን ተማሂረ። ሽዑ ‘ውን ኢየ፡ ነቲ ብኣባ ኣድሓኖም ስእሉ እተጻሕፈ፡ “ቅዱስ ታሪኽ” ዚብል መጽሓፍ ኣንቢበ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ክፈልጥ ክኢለ።

ብድሕሪኡ ንሓደ ዓመት ኣብ ሓሊብመንተል ተማሂረ። ኣብ ሓሊብመንተል እተመሃርክዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስቲ ናይ ምሕላብ ዝመጣጠን እኳ እንተዘይነበረ፡ ኣብኡውን እተመሃርክዎ ሓድሽ መንፈሳዊ ነገራት ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓሊብመንተል፡ ኣቦይ ሰልዲ ሂቡኒ ብካምቦናዊ ካህን ኣባ ክፍለማርያም መንካሪኒ እተጻሕፈት መጽሓፈ-ጸሎት ገዚአ ክውንና ክኢለ። እዚኣ እታ ዝዝክራ ዝወነንክዋ ናይ መጀመርታ መንፈሳዊት መጽሓፍ ኢያ ነይራ። ነታ መጽሓፍ፡ ክረምቲ ምሉእ ኣባጊዕ ስድራና ሒዘ እናወፈርኩ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ሳንጣይ ሒዘያ እወፍር፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ጸሎታትውን እናንበብኩ፡ ኣብ በረኻ ተምበርኪኸ እጽሊ ነይረ። እግዚኣብሄር ስለቶም ኵሎም መገዲ እምነት ዘርኣዩንን ዝመሃሩንን ሰባት ይመስገን።

ኣነ ኣብ ሓመደይ ክውለድ፡ ኣብ ምሕላብን ሓሊብመንተልን ካልእ ቦታታትን ክመሃር ዘልኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓሊብመንተል፡ ኣብ ኣስመራ ገዳም ቅዱስ ኣንጦንዮስ ጎዳይፍ ንሓደ ዓመት ሻድሻይ ክፍሊ ተማሂረ፣ ኣብኡ ድማ ብናይ ኦርሶሊነ ደናግል ዝያዳ ዝዓመቖ ትምህርትታት ክመሃር ዕድል ረኺበ። ተወሳኺ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ’ውን ከንብብ ዕድል ረኺበ። ነቲ ንመሃሮ ዝነበርና መንፈሳዊ ትምህርታት ብጸብለልታ ስለዘጽናዕክዎን፡ እቲ ዓይነ ስዉር በርጢሞዎስ ኮይነ ኣብ ተዋስኦ ጽቡቕ ስለእተዋሳእኩን፡ ጽቡቕ ናይ ትንሳኤ ስእሊ ስለዝጸኣልኩን ብዙሕ ሽልማታት ተዋሂበ። ሓደ ካብቲ ሽልማታታት ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ። ትምህርቲ ተወዲኡ ንክረምታዊ ዕረፍቲ ንዓዲ ምስ ከድኩ፡ ነታ እተሸለምክዋ መጽሓፍ ቅዱስ ክረምቲ ምሉእ ኣብ ገዛ ኮነ ኣብ በረኻ እናንበብኩ፡ ካብ ዘፍጥረት ጀሚረ ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ወዲአያ።

ብድሕሪ ኣስመራ፡ ሻብዓይ ክፍሊ ኣብ ገዳም ካፑቺኒ ደቀምሓረ ኢየ ተማሂረ። ኣብ ደቀምሓረ እቲ ትምህርቲ ስነ-መለኮት መሊሱ’ዩ ወሲኹን ዓሚቑን። ኣብኡ፡ ብዘይካ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካልእ ብዙሕ መንፈሳዊ መጻሕፍቲውን ከንብብ ዕድል ረኺበ። ምስ ጽሑፋት ቶማስ ኣኲናስን ቅዱስ ቦናቨንቱራን እውን ኣብኡየ ተላልየ። ቋንቋ ግእዝ ድማ ኣብኡ’የ ብወግዒ ክመሃር ጀሚረ። ቋንቋ ትግረ ይርደኣኒ ስለዝነበረ፡ ቋንቋ ግእዝ ኣዝዩ ቀሊሉለይ። ኣብ ደቀምሓረ ከለኹ ኸኣ፡ ትርጉም ናይቲ ብግእዝ ንጽልዮ ዝነበርና ጸሎታት – እኮላይ ቅዳሴ – ኪርደኣኒ ጀሚሩ።

ድሕሪ ደቀምሓረ፡ ኣብ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከረን ሓደ ዓመት ተማሂረ። ኣብኡ ከለኹ ድማ ቅዳሴ ብትግርኛ ተኣታታትዩ። ነታ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብርእሰይ ሸምዲደያ። ብርእሰይ ሸምዲደያ ኢየ ስለዝበልኩ ሓለቓና ዝነበረ ካህን ክኣምነኒ ስለዘጸገሞ ዝሓሰኹ መሲልዎ ሽንቲ ክሳብ ዝሞልቆኒ ጸፊዑኒ’ዩ ፡)። መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ቅዱስ ኣንጦንዮስን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍን ኣብ ክልቲኡየ ክመሃር ዕድል ነይሩኒ።

ብድሕሪኡ ንገዳም ካፑቺኒ መንደፈራ ኸይደ፡ ንሰለስተ ዓመት ተማሂረ። መንደፈራ ብኣካደምያውን ብመንፈሳውን ብዙሕ ትምህርቲ ዝቐሰምኩሉ ቦታ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ መንደፈራ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ ትምህርትታት እዚ ኢለ ክጽብጽቦ ኣይክእልን። ኣብ ርእሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ መንፈሳውን ኣካደምያውን መጻሕፍቲ ኣንቢበ። ኣብቲ ገዳም፡ ክልተ ኣብያተ መጻሕፍቲ ነይረን። እታ ሓንቲ ወግዓዊት ናይ ኣካደምያዊ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ዝሓዘት፡ እታ ካልአይቲ ኸኣ፡ ንእሽቶ ኾይና፡ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ዝሓዘት። ካብ ክልቲአን አንብብ ነይረ። ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብትግርኛ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብኢንግሊሽውን ካብ ክልተ ሕታማት ዘንብበሉ እዋናት ነይሩኒ (Jerusalem Bibleን Revised Standardን)። ኣብ 9ይ ክፍሊ ምስ ካልኣየይ፡ ነቲ ብኣባ ያዕቆብ ዘርኡ ናብ ቋንቋ ብሊን እተተርጐመ ወንጌላት ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ብኢድና ኽንጽሕፍን ምስ ኣባ ያዕቆብ ተረዳዲእና ኣድላዪ ኣርትዖት ክገብርን ዕድል ረኺበ። እዚ ነቲ ኣብ ወንጌላት ዘሎ ምህሮ ጽቡቕ ገይረ ክርዳእ ሓጊዙኒ።

ኣብ መንደፈራ እተመሃርክዎ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ ነይሩ። እቲ ትምህርትታት እተፈላለዩ ዘንብቦም ዝነበርኩ መንፈሳዊ መጻሕፍትን፡ ኣብ ቅዳሴን፡ ኣቋቋምን፡ ውዳሴ ማርያምን ካልእን ተሰዂዑ ይርከብ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መንደፈራ፡ “ሞራል” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ካብ 8ይ ክሳብ 10ይ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ተማሂርና ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ 10ይ ክፍሊ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ናይ ጴንጠቆስጣውያን ኣብያተ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ዳህሳስ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible Survey) ተባሂሉ ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ብሓው ሰለሞን ገብረክርስቶስ “መቕድም ቅዱስ መጽሓፍ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ብሰፊሑ ተማሂርናዮ ኔርና። መቕድም ቅዱስ መጽሓፍ መጀመርታ መምሃሪት ደፍተር ዝነበረት፡ ደሓር መጽሓፍ ኮይና እተሓትመት መጽሓፍ ኢያ ነይራ።

ኣብዛ ስእሊ (መጽሓፍ ሒዘ ዘለኹ) ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ከለኹ ኢዩ።